ERITREAN MEDIA NETWORK




ERITREAN MEDIA NETWORK

ርሑስ ቅንያት በዓል ናጽነት!
ጽናዓትና ዋሕስና!
Eritrean Media Network

2 weeks ago | [YT] | 1,935

ERITREAN MEDIA NETWORK

ክቡራት ተኸታተልቲ ''Eritrean Media Network፡''
እነሆ ንዓኹም፣ ኣብ ስደት ንዘሎ ህዝብና ጠመተ ዝገበረ ሓድሽ መደባት ሒዝና ክንመጽእ ተዳሊና ኣለና።
ሓድሽ ምዕራፍ ኣብ Eritrean Media Network ንናብራን ተመኩሮን ኤርትራውያን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዘንጸባርቕ፤ ንኩላትና ዘራኽብን ዘዘራርብን ሓድሽን ዓበይቲን መደባት።
እዚ ናትኩም መደብ እዩ፤ ሓድሽ ምዕራፍ ክንጅምር ኢና እሞ ኣይትሕለፍዎ!

4 months ago | [YT] | 620

ERITREAN MEDIA NETWORK

ብሃር ገዲም ዶክተር ዘያማይ ገጣማይ ፍቕራውን ሃገራውን
ኣቦና በረኸት መንግስትኣብ ኣብ መበል 89 ዕድሚ ዓሪፉ ።

EMN ብኣጋጣሚ ዕረፍቲ ሓርበኛ ስነጥበባዊ በረኸት መንግስትኣብ፡ ንስድርኡ፡ ቤተሰቡ፡ ፈተውቱ፡ ኣዕሩኹን ሰዓብቱን ጽንዓት ይሃብ፡ ንዕኡ ድማ መንግስተሰማይ የዋርሶ ንብል፡፡

6 months ago | [YT] | 2,266

ERITREAN MEDIA NETWORK

መልእኽቲ ህ.ግ ብኣጋጣሚ ዝኽሪ ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
On Sep 1, 2025
ባሕቲ መስከረም 2025
ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናይ ዕስራ ዓመታት ሰላማዊ ፖለቲካዊ ተቓውሞ፡ “ናጽነት ዝግብኦ ህዝቢ’ዩ። ምእንቲ ረብሓና ግን ንመግዛእቲ ይፈረድ” ዝብሉ ዓመጽቲ ዘራያት ስለዝገጠምዎ፡ ቀቢጹን ቆሪጹን ብዕጥቂ ብረት ቃልሱ ክቕጽል ዝናሩ ዘስጠመላ ዕለት፡ ባሕቲ መስከረም 1961 ቅድሚ 64 ዓመታት’ዩ።
ውሑድ ህዝቢ ምስ ድሩት ዓቕሚ፡ ብትብዓት ክፋለሞም ዝነበሮ መጋበርያ ስርዓት ሃይለስላሰን ዓንገልቱን ከኣ ብዝኾነ ውድዓዊ መስፈር ክዳረጎም ዝኽእል ኣይነበረን። ብዘይካ ኣይግዛእን ዝብል ሓያል መንፈስ እምብለይ፡ ዝዓብስ ዕጥቂ ዘተኣማምን ስንቂ ኣይሓዘን። ምርጫ ስለዘይነበሮ ግን፡ ክንደይ ግዜን ህይወትን ከምዝወስደሉ፡ ክንደይ ዓቐበ-ቁልቁል ከምዝገጥሞ ከይተጨነቐ፡ ‘ንበይኖም እንጻር ሓያላት’ እናተባህለ ክራጸም ነቒሉ።
ሰውራ ኤርትራ ኣብ ናይ 30 ዓመታት መሪር ኲናት፡ ብሓውን ዓረርን ተፈቲኑ፡ ልዕሊ ዓቕሙ መስዋእትን ስንክልናን ገቢሩ፡ ብልዕለ-ሰብኣዊ ምጽማም፡ ዘይከኣል ተባሂሉ ንፍሽለት ዝተፈርደ ቃልሲ፡ ከም ዝከኣል ዘመስከረ፡ ናጽነቱ ብቕልጽሙ ዘግሃደ’ዩ። ዓላዊ ግዙእ ህዝቢ ተዋሪዱን ተገዚኡን ከምዘይነብር፡ ሓጸረ ነውሐ ከም ዝዕወት ብግብሪ ዘረጋገጸ ተመክሮ’ዩ። ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ድማ ወርቃዊ ምዕራፍ ይሕዝ። ሓደ ካብ ዓበይቲ ኣብነታት ቃልሲ ኣህዛብ ዓለም ንመሰል ርእሰ-ውሳኔ ክኸውን በቒዑ ምባል ከኣ ምግናን ኣይኮነን።
ብረታዊ ተጋድሎና እምበኣር፡ መላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ካብ ከተማን ገጠርን፡ ካብ ወጻኢ፡ ካብ መኣዲ ትምህርቲ፡ ስራሕ፡ ማሕረስን ጉስነትን፥ ደቂተባዕትዮን ደቂኣንስትዮን ኣኽቲቱ፡ ብነዊሕ ኣቐንዛዊ ፍልቀት ብቑዕ መሪሕነትን ሃገራዊ ውድብን – ህ.ግ – ስለዝሃነጸ፡ በቲ ጽዑቕ ዳይናሚክስ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣብ ሓጺር እዋን ማሕበረ-ባህላዊ፡ ፖለቲካዊ ለውጢ ዘምጸአ ኩለእንተናዊ ሰውራ’ዩ። ጸላእቱ እናመከተ፡ ንውሽጣዊ ነግፈረግ ገኒሑ፡ ንኽድዓት ቀጺዑ፡ ምዝሓጥን ምግስጋስን ተሳጊሩ ብመሪር ተመክሮ ስለዝላደየ፡ ሓድሽ ሓባራዊ ሃገራዊ ስነ-ኣእምሮ ክንፈጥር ኣኽኢሉና ኢዩ።
ስለ’ዚ መልእኽቲ ባሕቲ መስከረም 2025፡ ከም ወትሩ፡ መኽሰባት ሰውራና ንዓቅብ፡ ናጽነትናን ልኣላውነትናን ንሓሉ፡ ንልምዓትን ምዕባለን ተጊህና ንስራሕ፡ ከምቲ ትማሊ ዘይከኣል ዝመሰለ’ሞ ዝተኻእለ፡ ሎሚ’ውን ዘይከኣል ዝመስል ዘሎ ከምዝከኣል ብእምነት ንጽዓር ኢዩ።
ዓወት ንሓፋሽ

9 months ago | [YT] | 1,791

ERITREAN MEDIA NETWORK

ሰላም ተኸታተልቲ EMN፣

መጽሓፍ “My Struggle for Eritrea and Africa” ሎሚ ኣብ ኢድና በጺሓ ኣላ።

ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ትግርኛ ተርጒምና ናባኹም ክነብላ ኢና።

ኣባላት EMN

1 year ago (edited) | [YT] | 1,822

ERITREAN MEDIA NETWORK

ርሑስ ቅንያት ናጽነት! መበል 34 ዓመት፤ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ክብርን ሞጎስን ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ። "መስመርና ድርዕና"

1 year ago | [YT] | 924

ERITREAN MEDIA NETWORK

ቃለ - መሕተት ተጋዳሊት ገነት በየነ 5ይ ክፋል › https://www.youtube.com/watch?v=AcELO...

1 year ago | [YT] | 1,122

ERITREAN MEDIA NETWORK

ERITREAN MEDIA NETWORK፡ ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ቅንያት ልደትን ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ደገን እናበለት፡
ዓመተ 2025 - ኣብ ኵሉ መዳያት ዓወታትን፡ ሓድሽ ምዕራፍ ዘበስር ምዕባለታትን እንጐናጸፈላ ዓመት ክትኰነልና ትምኒታ ተቕርብ።

EMN

1 year ago | [YT] | 2,249

ERITREAN MEDIA NETWORK

Coming Soon on Eritrean Media Network

1 year ago | [YT] | 320

ERITREAN MEDIA NETWORK

EMN - ሻዕብያ | Shabia - Eritrean Media Network > https://www.youtube.com/watch?v=Pc-1E...

1 year ago | [YT] | 830